ዋዕላ ምብራቕ ሱዳን ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 10 April 2023

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ንዘሎ ኩነታት ዝግምግምን ናብ ሓፈሻዊ ምርድዳእ ዘብጽሕን ዋዕላ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ብ09 ሚያዝያ ኣብ ካርቱም ዝጀመረ ዋዕላ ምብራቕ ሱዳን፣ ክሳብ ረቡዕ 12 ሚያዝያ ከምዝቕጽል ዝሓበራ መረበባት ዜና እታ ሃገር፣ ኣመሓደርቲ፣ ፖለቲካውያን ውድባት፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ካልኦት ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ዘለዎም ኣካላትን ይሳተፉ ምህላዎም ጠቒሰን።

ቀንዲ ዛዕባ እቲ ዋዕላ፣ ኣብ 2020 ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ሱዳንን ጉዳይ ምብራቕ ሱዳንን ዘተኮረ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ዋዕላ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን እናበኣሰ ክመጽእ ንዝጸንሐ ናይ ቀቢላታት ምትፍናን መፍትሒኡን ኣብ ዝብል ነጥብታት ክዝቲ ብዛዕባ ምዃኑ ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ሱዳን፣ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምቛም፣ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ እትሓልፎ ዘላ መስርሕ፣ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ሓደ ካብ ዕንቅፋታት ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ 2020 ዝተበጽሐ ስምምዕ ምብራቕ ሱዳን እንተዘየተግቢሩ፣ ርእሰ ውሳኔ እቲ ዞባ ክእውጁ ምዃኖም፣ ብናዚሪ ዝፍለጥ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምጥንቃቑ ይዝከር።

ናዚሪ ቤጃ ዝርከቦም ሓያሎ ፖለቲከኛታት፣ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝርከዎም ኣማኢት ሰባት፣ ኣብቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተወደበ ዋዕላ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን ንምስታፍ፣ ብ4 ነሓሰ ዶብ ኣብ ዝሰግርሉ ዝነበሩ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ከምዝተዓግቱ ኣይርሳዕን።

ኣብ 2005 ኣብ መንጎ መንግስቲን ሓይልታት ምብራቕ ሱዳንን ብመንጎኝነት ኤርትራ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኣብ ሓደ ዓመቱ ከምዝፈረሰ ይፍለጥ።

 

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0