ስዊዘርላንድ፣ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ስደትኛታት ብህጹጽ ናይ ምቕባል መደብ፣ ንግዜኡ ደው ከምዘበለቶ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 05 January 2023

ስዊዘርላንድ፣ ብመሰረት እቲ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝበጽሓቶ ስምምዕ፣ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ስደተኛታት ብህጹጽ ናይ ምቕባል መደብ ንግዜኡ ደው ከምዘበለቶ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነቲ መደብ ደው ከምዘበለቶ ተፍልጥ ዘላ ዘላ፣ ብፍላይ ካብ ዩክሬይን ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ብብቕዓት ንምትእንጋድ ተጸጊማ ምህላዋ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ መርበብ ዜና ሸንገን ኣሚቱ።

እቲ ምስ ቀረብ መጽለሊን ካልእን ዝተተሓሓዘ ናይ እንግዶት ብድሆታት ምስ ተፈትሐ፣ እታ ሃገር ከም ቀደማ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ስደተኛታት ናይ ምቕባል መስርሕ ክትጅምር ምዃና መንግስቲ ኣረጋጊጹ።

ስዊዘርላንድ፣ ዓመታዊ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ብጉዳይ ጥዕናን ካልእን ንዝተጸገሙ ኣማኢት ስደተኛታት፣ ብፍላይ ደቂንስትዮን ቆልዑን፣ ብህጹጽ ናይ ምቕባል መደብ ጸኒሑዋ’ዩ።

እዚ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ብምትሕብባር ክካየድ ዝጸንሐ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ደው ምባሉ፣ ኣብ መስርሕ ንዝጸንሑ ሓያሎ ሓተቲ ዑቕባ ከሰናኽል’ዩ።

ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2022 ጥራይ ኣስታት ናብ ስዊዘርላንድ ንምጥያስ ዝተመዝገቡ ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝነበሩን እቶም ኣስታት 70 ሽሕ ካብኣቶም ዜጋታት ዩክሬይን ምዃኖም ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ይሕብር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0