ግብጺን ሱዳንን፣ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ምይይጥ ኣካይደን

Radio Erena: 05 January 2023

ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ምይይጥ ከምዘካየዳ መርበባት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ሜጀር ጀነራል ዓባስ ከማል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ፣ ካብ 2 ክሳብ 3 ጥሪ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ሓላፊ ጸጥታ እታ ሃገር፣ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሙፋዲልን ብምርኻብ ዘትዩ።

ጀነራል ዓባስ፣ ኣብቲ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝገበሮ ዝርርብ፣ ኣብ ምትሕግጋዝ ክልትኤን ሃገራት ዘተኮረ፣ ካብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ዝተላእከ ናይ ቃል መልእኽቲ ከምዘብጽሐ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ገሊጹ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ፣ ምትሕግጋዝ ግብጽን ሱዳንን እንተዓብዩ ንረብሓ ክልትኤን ሃገራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብቲ ርክብ ኣገንዚቡ።

ቀንዲ ዕላማ ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ ናብ ሱዳን፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ምይይጥ፣ ግብጺ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሱዳን ዘተኮረ ዘተ ከተተኣናግድ ድልውቲ ምህላዋ ንምርግጋጽ ምዃኑ መርበባት ዜና ሱዳን ጠቒሰን።

ግብጻዊ ሓላፊ ጸጥታ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣ መንግስቲ ሱዳን ምምይያጡ፣ ምስ መራሕቲ ናይቲ ሓይልታት ሓርነትን ለውጢን ዝተሰምየ፣ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ንምትካል ዝቓለስ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ’ውን ብኣካል ተራኺቡ ዘትዩ’ዩ።

ኤርትራ’ውን ኣቐዲማ፣ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም፣ ኣብ መንጎ’ቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ሰራዊትን ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ንዝክካየድ ፖለቲካዊ ዘተ ከተእንግድ ከምእትኽእል ምግላጻ ኣይርሳዕን።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0