‘ሶማል፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ኣልሸባብ ሓራ ክትከውን’ያ።’ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

Radio Erena: 05 January 2023

ሶማል፣ ንዓመተ 2024 ካብ ኣልሸባብ ሓራ ኮይና ክትቅበላ’ያ ክብል ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ገሊጹ።

መርበብ ዜና ጋረወ፣ ብ03 ጥሪ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ዞባታታት ጋልምዱግን ሒርሸበልን፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ካብቲ ምስ ኣልቓዒዳ ብወግዒ ዝሓበረ ጉጅለ፣ ሓራ ክኾና’የን ኢሉ።

ሰራዊት ሶማል፣ ኣመሪካን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽትን ብዘካይድዎ ዘለዉ ሓባራዊ መጥቃዕታት ኣልሸባብ ተቖጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝሰሓባ’ዩ ክግለጽ ቀንዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት ክቕጽል ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ሶማል ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ህላዌ እቲ ጉጅለ ሓራ ከምእትኸውን ዝገልጽ ዘሎ፣ ኣብ ኣብ ኤርትራ፣ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ታዕሊም ዝጸንሑ ኣሽሓት ወትሃደራት ሶማል፣ ናብ ዓዶም ኣብ ዝተመልስሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሓይሊ ምድሪ ሶማል፣ ጀነራል ጣሊል ብሒ ብወገኑ፣ መብዛሕቶም እቶም ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ወትሃደራት ናብ ዓዶም ተመሊሶም፣ ኣብቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ተጸንቢሮም ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

ገና ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዘለው ሶማላውያን’ውን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ናብ ግንባራት ክዋፈሩ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ሶማል፣ ኣብ 2024 ካብ ኣልሸባብ ሓራ ክትከውን’ያ ዝብል መግለጺ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣንጽር እቲ ጉጅለ ጀሚርዎ ዘሎ ወፍሪ ብዝልዓለ ክቕጽሎ ምዃኑ ዘመላኽት እኳ እንተኾነ፣ ግብራውነቱ ግና ንብዙሓት ወገናት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ብዘይካ’ቲ ኣስታት 700 ወትሃደራት ብምውፋር ንሰራዊት ሶማል እትህቦ ዘላ ናይ ስለያን ፍሉይ ስርሒታትን ደገፍ፣ ብነፈርቲን ድሮናትን’ውን ኣብ ልዕሊ መዓስከራትን ዒላማታትን ኣልሸባብ ከቢድ ክሳራታት ከምዘብጽሐት’ዩ ዝግለጽ።

ፈደራላዊ ሰራዊት ሶማል፣ ብሚሊሻታት ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ናይታ ሃገርን ካብ ኡጋንዳ፣ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ብዝተዋጽአ ኣስታት 30 ሽሕ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ተደጊፉ’ዩ ነዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣንጻር ኣልሸባብ ጽዑቕ መጥቃዕታት ዘካይድ ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0