18 መሰከረም፣ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ትዝከር ኣላ

18 መሰከረም፣ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ትዝከር ኣላ

Radio Erena : 18 September, 2017

18 sep

ኣብ ኤርትራ ጸሊም ታሪኽ ዝተፈጸመላ ዕለት መስከረም 18፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ይዝክርዋ ኣለዉ።

18 መስከረም 2001፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ዝሓተቱ ሰበ ስልጣን ነበረን ጋዜጠኛታት ናይ ብሕትን ብኣልማማ ድሕሪ ምቕያዱ፣ ን13 ዓመታት ደሃዮምም ከዝጠፍእ ጌሩ ምህላዉ’ውን ኣዘኻኪሮም።

ኣብ ልዕሊ’ዞም ኤርትራውያንን ስድራቤታቶምን ወሪዱ ንዘሎ ሞራላዊን ኣካላውን ጉድኣትን’ውን ተሓታቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ደለይቲ ፍትሒ፣ ግዳይ ዓመጽን ምልኪን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ፍትሒን ሕግን ደው ዝብለሉ እዋን ሕጂ ምዃኑ’ውን ኣስሚሮም።

 

ሓያሎ ካብቶም ኣብ 18 መስከረም ዝተቐየዱ ሰበ ስልጣን ነበረን ጋዜጠኛታትን ሰኣን ግቡእ ሕክምናን ክንክንን ህወቶም ከምዝሓለፈ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ብዘይካ’ዞም ኣብ 18 መስከረም ብኣልማማ ዝተቐየዱ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበረን ጋዜጠኛታትን፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 1994 ኣትሒዙ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ኣስታት 10 ሽሕ ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን እሱራት ከምዘለዉ’ውን ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0