ኣብ ገማግም ባሕሪ ማልታ ዝጠሓሉ ኣማኢት ስደተኛታት መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያ፣ ግብጺ፣ ፍልስጤምን ሱዳንን ምዃኖም ተገሊጹ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ማልታ ዝጠሓሉ ኣማኢት ስደተኛታት መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያ፣ ግብጺ፣ ፍልስጤምን ሱዳንን ምዃኖም ተገሊጹ

Radio Erena : 17 September, 2017

Malta

ኣብ ገምገም ባሕሪ ማልታ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ ሞይቶም ዝብሃሉ ዘለዉ ኣስታት 500 ስደተኛታት መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያ፣ ፍልስጤምን፣ ግብጽን ሱዳንን ምዃኖም ተሓቢሩ።

እታ ጃልባ ክትጥሕል ዝኸኣለት፣ ኣብ መንጎ’ቶም ስደተኛታትን ዘሰጋግርዎም ዝነበሩ ሰባትን ብዝተላዕለ ባእስን ዕግርግርን ምዃኑ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ክልተ ፍልስጤማውያን ገሊጾም።

እታ ጃልባ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ካብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ዝተበገሰት ምዃና’ውን ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

 

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 250 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ከምዝጠሓለተ ዝፍለጥ ኾይኑ፣ እቶም 26 ክድሕኑ እንከለዉ ናይቶም ዝተረፉ ሃለዋት ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝጠሓሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ቁጽሪ 2500 ከምዝበዝበጽሐ ጸብጻብት ኣህጉራውያን ትካላት የመልክት።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0