ደቡብ ሱዳን፣ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኩባንያታትን ንወጻእተኛታት ስራሕ ከይቆጽራ ዝእግድ ኣዋጅ ወጺኡ

ደቡብ ሱዳን፣ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኩባንያታትን ንወጻእተኛታት ስራሕ ከይቆጽራ ዝእግድ ኣዋጅ ወጺኡ

Radio Erena: 18 September, 2014

NGO SS

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን፣ ንዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ስራሕ ከይቖጽራ ዝእግድ ሓድሽ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

እቲ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ውሳኔ፣ ነተን ኣብቲ ሃገራት ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን፣ ቀዳምነት ንዜጋታት ደቡብ ሱዳን ናይ ስራሕ ዕድል ክህባ ዘገድድ’ዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን፣ ካብ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ወጻኢ ሰራሕተኛ ክቖጽራ እንተደልየን፣ ኣብታ ሃገር ዘይርከብ ዓይነት ብቕዓትን ዓቕሚ ሰብን ምስ ዝኸውን ጥራይ ከምዝፍቐደለን’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባርናባ ማርያል በንጃሚን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን፣ ሰራሕተኛታተን ዳርጋ ብምሉኦም ናይ ወጻኢ ዜጋታት’ዮም ዝበለ እቲ ሚኒስተር፣ እዚ ድማ ኣብ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ምዕዝምዛም ከምዝፈጠረ ኣገንዚቡ።

ደቡብ ሱዳናውያን፣ ብስእነት ስራሕን ካልእ ማሕበራዊ ሕሰምን እናተጎሳቖሉ፣ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን ናይ ስራሕ ኦድላት ንካልኦት ዜጋታት ክህባ ፍታሒ ኣይኮነን ክብል’ውን ደምዲሙ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ፣ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕለሉ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ከኣ ኣብ ኩለን ዘይመንግስታውያን ትካላታን ኩባንያታትን ምቁጽጻር ክግበር ምዃኑ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን የጠንቅቕ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ጁባን ካልኦት ከተማታትን ገጠራትን ዝተዋፈራ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን ክህልዋ እንከለዋ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ኬንያን’ውን ብብዝሒ ምህላዎም ይፍለጥ።

ደቡብ ሱዳን ነዚ ሓድሽ ሕጊ ድሕሪ ምእጽኣ፣ ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ክትሰጉግ’ያ ዝብል ስግኣት እኳ እንተሎ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ ግና፣ ዝኾነ ወጻእተኛ ከምዘይስጎግ ኣነጸኢሩ።

ብፍላይ “ኬንያውያን፣ ኡጋንዳውያን፣ ኢትዮጵያንን ኤርትራውያንን ክንስጎግ ኢና” ዝብል ስግኣት ከይሓድሮምን ኣብ ደቡብ ሱዳን ክንዲ ዝደለዩ ክልጸንሑ ከምዝኽእሉን ሚኒስተር በርናባ ኣብ መግለጺኡ ኣረጋጊጹ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0