ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ኤርትራውያን፣ ናብ ዓዶም ዝምለሱሉ መንገዲ ብምስኣኖም የማርሩ

Radio Erena: 14 June 2020

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ኤርትራውያን፣ ናብ ዓዶም ዝምለሱሉ መንገዲ ብምስኣኖም የማርሩ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ብምኽያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኩሉ ዓይነት መጎዓዝያ ደው ክብል ዝተመዓላለፈ ትእዛዝ ብዘይ መጠንቀቕታ ብምንባሩ፣ ኤርትራውያን ገያሾ ካብ መደቦም ወጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ ኮፍ ክብሉ ተገዲዶም ከምዘለዉ ገሊጾም።

እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን፣ ንሕክምና ስድራቤቶም ሒዞም መጺኦም መምለሲ ስለዝሰኣኑ፣ ኣብ ዘየድሊ ናይ ሆቴላትን መነባብሮን ወጻኢ ወዲቖም ምህላዎም የማርሩ።

በዓልቲ ቤቱ ከሐክም ከምዝመጸ ዝሓበረ ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ኤርትራዊ፣ መዓልታዊ ልዕሊ 300 ብር ወጻኢታት እንዳገበረ ክነብር ብምግዳዱ፣ ፈተውትን መቕርብን ኣብ ምሽጋር ወዲቑ ከምዘሎ ገሊጹ። ንሱ ኣብ ቃሉ፣ ካልኦት ቤተሰብ ዘይብሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ፍታሕ ስኢኖም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፣ መስመራት ቴሌፎን ከፊቱ ስምዕታታት ይቕበል እኳ እንተሎ፣ ብዘይካ ኣስማት መዝጊቡ ክሳብ ንድውለልኩም ተጸበዩ ዝብል መልእኽቲ፣ ካልእ መፍትሒ ከምዘየቕረበ ሓያሎ ወገና ይገልጹ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጂቡቲን የመንን ዝነበሩ 7158 ዜጋታት ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ምግላጹ ዝፍለጥ እዩ።

እንተኾነ እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነዚ ናይ ኣቶ የማነ መግለጺ፣ እንትርፎ ኣሽካዕላል ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ካልእ ተባሂሉ ክግለጽ ኣይከኣልን ክብሉ’ዮም ምረቶም ዝገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Merhawi 4 years ago

    Xubq eyu