ሕብረት ኤውሮጳ ‘ድሕነት መንገዲ ኣየር’ ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ውሕስነት ከምዘይብሉ ገሊጹ

Radio Erena: 14 June 2020

ሕብረት ኤውሮጳ ‘ድሕነት መንገዲ ኣየር’ ኢሉ ዓመታዊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ውሕስነት ከምዘይብሉ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ፣ ‘ሸንገን ዞን’ ተባሂለን ኣብ ዝፍለጣ ሃገራት ኤውሮጳ፣ በረራ ከካዪዱ ዝፍቀደሎምን ዝኽልከሉን መንገዲ ኣየራት ዘነጽር እዩ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ መንገዲ ኣየራት ኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ኪርጊስታን፣ ሊብያ፣ ዝርከብዎም 96 ትካላት ኣቭየሽን፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ መገሻ ከየካይዱ ተኣጊዶም ኣለዉ።

መንገዲ ኣየራት ቨንዙወላ፣ ሱሪናም፣ ኢራን፣ ዒራቕ ናይጀሪያን ዚምባብወን ከኣ መሰረታዊ ናይ ድሕነት ለውጥታትን ጽገናን ክገብሩ እንተኺኢሎም፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ መገሻ ከካዪዱ ክፍቀደሎም ምዃኑ ተገሊጹ።

ዕላማ’ቲ ጸብጻብ፣ ኣህጉራዊ በረራታት ዘካዪዳ ትካላት ኣቭየሽን፣ ዘለወን ናይ ድሕነት ደረጃ ከሐዪላን ጥንቃቐታት ክገብራን ዝሕግዝ እዩ ክብል’ዩ ኮሚሽነር መጎዓዝያ እቲ ሕብረት ዝገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    habtom 4 years ago

    tsebuk eyu habereyetakum ayefeleyena ahewateye kabizii covd 19 fetarii mheretu yehabena.

  • comment-avatar

    ኤርትራ ቀዳማይ ውሕስነት ዘለዋ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጹቡቅ ገይረን ይፈልጣ ኢየን ጊን ኩሉ ግዜ ኣብ ሪእሲ ኤርትራ ሒማቅን ሓሶትን ቶንኮሊን ኢዩ ዘለወን