ብሩንዲ፣ ድሕሪ ሃንደበታዊ ሞት ፕረዚደንት፣ ኣብ ምርጫ ዝተዓወተ መራሒ ብዝቐልጠፈ ስልጣን ክርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

Radio Erena: 15 June 2020

ብሩንዲ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝተረፎ ፕረዚደንት ፒየር ንኩሩንዚዛ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብሃንደበት ድሕሪ ምሟቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተዓወተ ኤቨሪስት ዳይሽምየ ብዝቀልጠፈ ክትክኦ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ዝወሰነ፣ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ከየጋጥም ብምስጋእ’ዩ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር፣ ፕረዚደንት ብሞት ይኹን ካልእ ምኽንያት ኣብ ዝእለየሉ ግዜ፣ ክሳብ ብምርጫ ዝትካእ፣ ፕረዚደንት ሃገራዊ ባይቶ ከም ግዝያዊ መራሒ ሃገር ኮይኑ’ዩ ዘገልግል።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብሩንዱ ዝተዓወተ ኤቨሪስ ዳይሽምየ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ’ዩ ብሕጋዊ መንገዲ ስልጣን ክርከብ መደብ ተሰሪዑ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት፣ ኣብዚ ዝሓጸረ ግዜ ሓድሽ ፕረዚደንት ብሩንዲ ኮይኑ ቃለ መሓላ ክፍጽም ትጽቢት ኣሎ።

ን15 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፒየር ንኩሩንዚዛ፣ ብወቅዒ ልቢ ብሃንደበት ከምዝሞተ እኳ ብወገን መንግስቲ እንተተገልጸ፣ እቲ ወዲ 55 ዓመት መራሒ ብኮረና ቫይረስ ህይወቱ ከምዝሓለፈ’ዩ ድሒሩ ዝጋዋሕ ዘሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0