ስዑዲ ዓረብ እተበግሶ ዘላ ንምምስራት ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ዝሓቁፍ ቆንስል፣ ሕብረት ኤውሮጳ ብሓጎስ ተቐቢሉዎ

Radio Erena: 23 February 2020
ስዑዲ ዓረብ እተበግሶ ዘላ ንምምስራት ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ዝሓቁፍ ቆንስል፣ ሕብረት ኤውሮጳ ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣለክሳንደር ሮንዶስ ምስ ኣራብ ኒውስ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፣ እዚ ኤርትራ ንእትርከበን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ንምጥርናፍ ዝተበገሰ ሓሳብ፣ ንጸጥታዊ ረብሓ ሃገራት ኤውሮጳ እውን ዓቢ ጥቕሚ ስለዘለዎ፣ ብሓጎስ ኢና እንቕበሎ ኢሉ።

ንሱ ኣብ ቃለመጠይቑ፣ መራሕቲ ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ፣ ንምቛም’ቲ ቆንስል ዘማእከለ ምንባሩን፣ እወታዊ ውጽኢት ከምዝነበሮን ብምምልካት፣ ኤርትራ ልዕሊ ሽሕ ኪሎሜትር ናይ ቀይሕ ባሕሪ ስለእትውንን ኣብዚ ቆንስል ክትጥርነፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ከምዝፍለጥ ፕረዚደንት ኢሰያስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝገበሮ ዑደት ምኽንያቱ ከይተገልጸ እዩ ጸኒሑ። ብመሰረት እዚ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ብስዑዲ ዝበጋገስ ዘሎ ምምስራት ቆንስል ክጥርነፍ ምውሳኑ ንንጉስ ሳልማን ከምዝተገልጸሉ ሓቢሩ።

እዚ ንወሽመጥ ዓደን እውን ጸምቢሩ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ክቐውም ዝሕሰብ ዘሎ መደብ፣ ቅርሰና መራኽብ ንምቁጽጻር ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ኢራን ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢላ ናብ ሑቲ ናይ የመን ተሰጋግሮ ኣላ ዝበሃል ኣጽዋር እውን ክቆጻጸር እዩ፣ ክብል’ዩ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ዝገልጽ።

ርክብ ፕረዚደንት ኢሰያስን ንጉስ ሳልማንን፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ወሽመጥ ዓደን ዘዋስነን ሃገራት ዓረብን፣ ወተሃደራዊን ጸጥታዊን ምትሕግጋዝ ዝዓዘሉ መንገድታት ንምንዳይ እውን ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣለክሳንደር ሮንዶስ ብተወሳኺ ምስ ዝተፈላለዩ ስዑዳውያን ሚኒስተራት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘዋስነን ሃገራት ንምውሓስ፣ ኤርትራን ስዑዲን ዝዓበየ ግደ ከበርክታ ዘለዎ እምነት ምግላጹ፣ ኣራብ ኒውስ የመልክት።

ንኤርትራ ወሲኽካ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ ምትእትታው ካብ ዝጅምራ ንደሓር፣ እቲ ዞባ ኣቓልቦ መላእ ዓለም ስሒቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኢራን ንኣልሑቲ ናይ የመን ወተሃደራዊ ድጋፍ ምግባራ ካልእ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣጽዋር ናይ ምስግጋር መስመር ከይፍጠር፣ ሕብረት ኤውሮጵ ሻቕሎቱ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0