ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝተጠቕዓ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንምሕጋዝ 70 ሚልዮን ዶላር ካብ ለገስቲ ተሓቲቱ

Radio Erena: 03 February 2020

ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ እትሒዘን ኣብ መኸተ ወራር ዕስለ ኣንበጣ’የን ዝርከባ።

ነቲ ድሮ’ውን እኹል ምህርቲ ክሓፍስ ዘይጸንሐ ዞባ፣ እዚ ወራር፣ ንተወሳኺ ሓደጋ ጥሜት ከየቃልዖ ተሰጊኡ’ዩ ዘሎ።

ካብ ሃገር ናብ ሃገራት እናሰገረን፣ እንቋቝሖታቱ እናጸፈየን ዝሳግም ዘሎ፣ ብናይ ምድረ በዳ ዕስለ ዝፍለጥ ዕስለ ኣንበጣ፣ ካብቲ ዞባ ጠቕሊሉ ክእለ ከምዘይክኣለ ዘመልከተ ውድብ መግብን ሕርሻን፣ ነቲ ወራር ንምምካትን ዘራእቲ ካብ ሓደጋ ንምድሓኑን፣ ከምኡ ድማ ሕርሻታቶም ብኣንበጣ ንዝተጠቕዐ ንምሕጋዝን ዝውዕል 70 ሚልዮን ዶላር ካብ ለገሲ ሓቲቱ ኣሎ።

ኣንጸላልዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት’ውን ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ከጥቕዕ ከምዝኽእል ዝኣንፈተ እቲ ውድብ፣ ብፍላይ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ሓደስቲ ግዳያት ክኾና ከምዝኽእላ ኣጠንቒቑ።

ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ መግብን ሕርሻን፣ ኣንበጣ ምድረ በዳ፣ ኣብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ የመንን ስዑዲ ዓረብን ኣብዝርከብ ሓምላይ መሬት ዳግማይ ክተኣኻኸብ ተኽእሎ ኣሎ።

ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ብዝያዳ ዝተሃስያ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን’የን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0