ኢትዮጵያ፣ ቦርድ ምርጫ ካብ ውድባት ንዝቐረበ ተቓውሞ ምላሽ ሂቡ

Radio Erena: 08 September 2019

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ምርጫ ብዝምልከት ዘጽደቖ ሕጊ ንዝነጸጉዎ ተቓወምቲ ውድባት፣ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ምላሽ ሂቡሉ።

ኣደ ወንበር ቦርድ ምርጫ ብርቱካን ሚደቅሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ እቲ ብተቓወምቲ ውድባት ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ኣንጻር’ቲ ዝጸደቐ ሕግታት ተቐባልነት የብሉን ድሕሪ ምባል፣ ልዕሊ 100 ዝኾና ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ዘለዋኣ ሃገር፣ ኣብ ኩሉ ነጥብታት ክትሰማማዕ ዘይከኣል’ዩ ክትብል ገሊጻ።

ኣቐድም ኣቢሉ ቁጽሪ ኣባላት ናይ ሓደ ፓርቲ እንተወሓደ 1,500 ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዝነበረ ኣብዚ ተመሓዪሹ ቀሪቡ ዘሎ ሕጊ ቁጽሪ ኣባላት ናብ 10 ሽህ ክብ ምባሉ ካብ ሓያሎ ተቓወምቲ ውድባት ናይ ተቓውሞ ድምጺ ተሰሚዑ እዩ።

ሓያሎ ካብኣቶም እውን ነቲ ኣብ 2020 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ከምዝሕሰሙዎ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ኣባላትና ተሃዲኖም ይእሰሩ ኣለዉ ዝብል ጥርዓናት ብብዝሒ ከምዝመጸ ዝገለጸት ብርቱካን ሚደቅሳ፣ እቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ 400 ኣባላቱ ከምዝተኣስሩ ዘቕረቦ ጥርዓን ንምምሕዳር ፖሊስ መብርሂ ተሓቲቱ፣ መእሰሪኦም ምኽንያት ምስ ፖለቲካዊ እምነቶም ዝተሓሓዝ ከምዘይኮነ ገሊጻ።
ኢትዮጵያ ንዓመታ ከተካዪዶ ወጢና ንዘላ ሃገራዊ ምርጫ፣ ከቢድ ብድሆታት ከጋጥማ ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ዞባ የጠንቅቑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0