10 ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪሩ

10 ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪሩ

Radio Erena: 11 December 2017

Human Right Day

10 ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ትማሊ ሰንበት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ።

ብደረጃ ዓለም ኣብ ፓሪስ ተዘኪሩ ዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ነቲ ኣብ 1948 ንዝተኸተመ ውዕላት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ብምትሕሳስብ፣ እቲ ቅድሚ 69 ዓመት ዝተኸተመ ውዕላት ገና ብብዙሓት ሃገራት ከምዘይተተግበረ ኣገንዚቡ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንትዮንዮ ጉተረስ፣ ብምኽንያት እዛ ዕለት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰብኣዊ መሰላት ሓደ ካብ ኣውራ መሕእውራት ንምምስራት እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ምዃኑ ጠቒሱ።

ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ንዝፍጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብሎ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ንዝበዝሑ ህዝብታት ዓለም ግና ዝያዳ ሓርነትን ናጽነትን ከስተማቕሩ ከም መሳርሒ የገልግል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ሓፈሻዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ብልዕሊ 500 ቋንቋታት ተተርጕሙ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ነቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተማሉ ሓፈሻዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየኽብራ ይውቐሳ።

ኤርትራ ብጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምጽራይ ዝካየደለን ካብ ዘሎ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፣ ነዚ ከጻሪ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ከበድቲ ምግህስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘለዉ ብምድምዳም፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ከይህሉ’ውን ምጽራይ ክካየድ እማመ ምቕራቡ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኣስመራ ብዝርከብ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓመታዊ’ዩ ዝኽበር።

እንተኾነ እዚ ንመሰላት ናጽነትን ሓርነትን ዜጋታት ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ጉዳይ ዝኽሪ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ብመንግስቲ ኤርትራ ቆላሕታ ክወሃቦ ኣይረአን።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0