ምምሕዳር ትራምፕ ኣስታት 700 ኤርትራውያን ክሰጉግ’ዩ

ምምሕዳር ትራምፕ ኣስታት 700 ኤርትራውያን ክሰጉግ’ዩ

Radio Erena: 11 December 2017

Trump

ምምሕዳር ትራምፕ ኣስታት 700 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ንምስጓጎም ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ድሕሪ ዘውጽኢ ሓድሽ ፖሊሲታት፣ ናይ ዑቕባ መሰል ዝተነጽጉ ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ነናብ ዓዶም ክስጎጉ ድሕሪ ዘሕልፎ ውሳኔ’ዩ ነዞም 700 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ መስርሕ ጀሚሩ ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይድሌቶም ካብ ኣመሪካ ንዝስጎጉ ኤርትራውያን ከምዘይቅበል ኣቐዲሙ ሓቢሩ እኳ እንተጸንሐ፣ ድሕር’ቲ ምምሕዳር ትራምፕ ዘንበሮ ናይ ቪዛ እገዳ ግና፣ እቲ መንግስቲ ኣብቲ መስርሕ ተሰማሚዑ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ማሕበር ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ዝስጎጉ ዜጋታቱ ንምቕባል፣ ዓዶም ክሳብ ዝበጽሑ ግዝያዊ ፓስፖርት ወይ ለሰ-ፓሰ ከዳልወሎም ጀሚሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ እቲ ካብ 13 መስከረም 2017 ኣትሒዙ ኣብ መስርሕ ዘሎ ምስጓግ ኣስታት 700 ኤርትራውያን ካብ ኣመሪካ ዛጊት ኣብ ግብሪ ከምዘይውዓለ ዘዘኻከረ እቲ ማሕበር፣ እቶም ኤርትራውያን ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጻዕርታቶም ከሐይሉ ጸዊዑ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0