“ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን ስትራቴጅያዊ’ዩ” ፕረዚደንት በሺር

“ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን ስትራቴጅያዊ’ዩ” ፕረዚደንት በሺር

Radio Erena: 11 December 2017

President Bashir in Addis

እናዓሞቐ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን ስትራቴጅያዊ ሸቶታት ዝሓቆፈ ምዃኑ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ብዓርቢ 8 ታሕሳስ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻሙ’ዩ።

ፕረዚደንት በሽር ኣብቲ ናብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ሚኒስተራት፣ ሓለፍቲ ጸጥታን ወትሃደራውያን ኣማኸርቲን ዝሓቖፈ ላዕለዎት ኣባላት መንግስቲ ሱዳን ከምዘሰነይዎ ተፈሊጡ።

ኣመሪካ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ንኽልዓል ኢትይጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝገበርዎ ኣበርክቶ፣ ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ሞዴል ክጥቀስ ከምዝኽእል ኣነጺሩ።

ሱዳን ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ ከምእትድግፍ ብወግዒ ዝሓበረ ኣልበሽር፣ ኢትዮጵያ ንሰላም እትገብሮ ኣበርክቶ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ኣብነት ክጥቐስ ከምእትኽእል ገሊጹ።

ጥቡቕ ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን ንረብሓ ክልትኤን ጥራይ ዘይኮነ ንረብሓ ጎረባብቲ ሃገራት’ውን’ዩ ክብል ፕረዚደንት በሽር ድሕሪ’ቲ ናይ ኢትዪጵያ ዑደቱ ደምዲሙ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባተን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልፍንቲ ከቑማ ከምዝተሰማምዓ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት በሺር ኣብዚ ዓመት እዚ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ እዚ ንራብዓይ እዋኑ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0