ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ናብ ሱዳን ከምርሕ’ዩ

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ናብ ሱዳን ከምርሕ’ዩ

Radio Erena: 18 July 2018

Egypt Sudan presidents

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ብዛዕባ’ቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ክልትኤን ሃገራት ጽባሕ ሓሙስ 19 ሓምለ ንምምይያጥ ናብ ሱዳን ከምርሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብ ዝተኻየደ ምርጫ ደጊሙ ካብ ዝዕወት፣ እዚ ናይ ሱዳን ፈላሚ ኣህጉራዊ መገሽኡ ክኸውን’ዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ካርቱም ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ ዘረጋገጸ ኣምባሳደር ሱዳን ካብ ካይሮ ዓብደል ማሕሙድ ዓብደል ዓለም፣ ምስ ፕረዚደንት ኣል በሽር ብምርኻብ ዛጊት ንዝተኻየደ ርክባትን ውጽኢቶም ክግምግሙ’ዮም።

ብዘይካ’ዚ እቶም መራሕቲ፣ ነቶም ገና መዕለቢ ዘይተረኽበሎም ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ ዞባ ሓላይብን ኣጠቓቕማ ናይልን ክዝትዩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

በዚ ጉዳያት እዚ ንሓያሎ ዓመታት ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምክፍፋል፣ ብዝበኣሰ ተተፋኒነን’የን ጸኒሐን።

ምስ ቀጠር ጸግዒ ከምዝሃዘ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን፣ ናብ ሱዳን ታሪኻዊ ዑደት ምክያዱን ብምወላ ቀጠር ወደብ ስዋኪን ንምብርባሩ ኣብ ስምምዕ ብምጽሑን፣ ምትፍናን እዘን ሃገራት ኣብ ጥርዙ በጺሑ፣ ሱዳን ኣብ ካይሮ ዝነበራ ኣምባሳደር ክሳብ ምስሓብ በጺሓ ኔራ።

ይኹን’ምበር ክልትኤን ሃገራት ድሕሪ ዘካየድኦ ዘተ፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባተን ብምሕዳስ፣ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ጉዳያት ብምምይያጥን ክልትኣዊ ምርድዳእን ንምፍታሕ ኣብ መስርሕ ይርከባ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0