ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ኣብ እዋን ትራምፕ ካብ ሶማል ዝተሳሕቡ ሰራዊት ኣመሪካ ናብታ ሃገር ክምለሱ ኣዚዙ

Radio Erena: 17 May 2022

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ሶማል ክዋፈር ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

ጆ ባይደን፣ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ሶማል ክምለስ ከምዝኣዘዘ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣብታ ሃገር ሓድሽ ፕረዚደንት ድሕሪ ምምራጹ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ኣስታት 700 ወትሃደራት ከምዝነበሩዋ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ ምሕጋዝን ምስልጣንን ፈደራላዊ ሰራዊት ሶማልን ፍሉይ ስርሒታትን ዝተዋፈረ’ዩ ኔሩ።

ብትእዛዝ ፕረዚደንት ነበር ዶናልልድ ትራምፕ ድማ ጠቕሊሉ ወጺኡ።

ይኹን’ምበር ኣመሪካ፣ ካብ ሶማል ሰራዊታ ድሕሪ ምስሓባ’ውን እንተኾነ፣ ብነፈርቲ ውግእን ሰብ ኣልቦ በረርቲ ወይ ድሮንን፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኣልሸባብ ፍሉይ ስርሒታት ከተካይድ ምጽንሓ፣ ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር ፔንታጎን በብእዋኑ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ጆ ባይደን ኣመሓላሊፍዎ ዘሎ ትእዛዝ፣ ቅድሚኡ ንዝነበረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ምሉእ ብምሉእ ዝጻረር’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0