ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ኣምሊጡ

ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ኣምሊጡ

Radio Erena: 27 August, 2014

Guelle ass

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ተሳቲፉ ናብ ሃገሩ ዝምለስ ዝነበረ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሃገሩ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ብሓደ ካብ ኣባላት ሓለዋ ናይቲ ኤርፖርት ብዝተኸፍተ ቶዅሲ፣ ሓኪም እቲ ፕረዚደንት ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ እቲ ፕረዚደንት ግና ኣቐዲሙ ከምዝወጸ ተገሊጹ።

ነዚ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፣ ነቲ ቶዅሲ ዝኸፈተ ኣባል ሓለዋ ፕረዚደንት ካብ ሰራዊት ሪፖብሊካን ጋርድ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

 

እቲ ኣባል ሓለዋ ሰራዊት ሪፖብሊካን ጋርድ ዝኾነ መንእሰይ፣ ናብታ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ብሓባር ገይሻ ዝነበረት ጉጅለ ሃንደበታዊ ቶኽሲ ዝኸፈተሉ፣ ነቲ ፕረዚደንት ንምቕታል ዝዓለመ ምንባሩን ዘይምንባሩን ገና ኣብ ምጽራይ እኳ እንተሎ፣ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ግና ምስ ፈተነ ቕትለት ብምትሕሓዝ’የን ዝገልጽኦ ዘለዋ።

ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ሽበራዊ መጥቃዕትን ፈተነ ቅትለት ፕረዚደንትን ምክያዱ ዘሻቐላ ፈረንሳ፣ ኣብ መርመራን ምጽራይን ዝዋፈር ፍሉይ ኣሃዱ ስለያ ልኢኻ ምህላዋ’ውን እተን ማዕከናት ዜና የመልክታ።

ንጅቡቲ ብሞግዚትነትን ንሓያሎ ዓመታት ዘመሓደረታ ፈረንሳ፣ ኣብ መዓስከር ለሞንየ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ እተካዶ ስርሒታት ከም ደጀን ኮይኑ’ዩ ዘገልግል።

ምስ ፈረንሳ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ካብ እዋን ናጽነታ ክሳብ 1977 ካብ ዝመርሓ ኣኩኡ ሓሰን ጉለ ኦፕቲዶን ኣብ 1999 ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ን15 ዓመታት ኣብ ስልጣን ይርከብ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ንህላወ ሰራዊት ፈረንሳን ኣመሪካን ኣብ መሬት ጅቡቲ ምድጋፉ፣ ኣብ ሶማል ሰራዊት ምውፋሩ’ውን ካብ ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገር ተቓውሞታት ክልዓሎ ጸኒሑ’ዩ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0