ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝዓረፈትሉ ሆቴል ከተማ ኣዲስ ኣበባ መብራህቲ ምጥፍኡ፣ ዝኾነ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዘይተፈጥረ ተሓቢሩ

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝዓረፈትሉ ሆቴል ከተማ ኣዲስ ኣበባ መብራህቲ ምጥፍኡ፣ ዝኾነ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዘይተፈጥረ ተሓቢሩ

Radio Erena: 30 May 2016

Kor

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ፓርክ ጉዌን-ህየ ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ እተካይደሉ ዝነበርት እዋን፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዓረፈትሉ፣ ሻራተን ሆቴል መብራህቲ ምጥፋኡ ዝኾነ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዘይፈጠረ ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ ሓቢሮም።

ብሓሙስ 26 ግንቦት ከባቢ ሰዓት 8፣55 ብሃንደበት መብራሕቲ ናይቲ ሆቴል ከምዘቛረጸን ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ከኣ ጀነሬተር ናይቲ ሆቴል ኣገልግሊት ክህብ ከምዝጀመረን ንኣካድቲ እቲ ሆቴል ብምጥቃስ ጋዜጣ ኮርያ ታምይስ ገሊጻ።

እታ ጋዜጣ፣ “ፕረዚደንት ፓርክ ኣብ ዝዓረፈትሉ ሆቴል ኢትዮጵያ መብራሕቲ ጠፊኡ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ብዛዕባ ምቁራጽ እቲ መብራህቲ ነታ ፕረዚደንት ኣሰንዮም ናብ ኢትዮዮጵያ ዝተጓዕዙ ሰበ ስልጣን’ውን ከምዘረጋገጹ ጠቒሳ።

 

ይኹን’ምበር፣ መብራህቲ ናይቲ ሆቴል ኣብ ዘቛረጸሉ እዋን እታ ፕረዚደንት ኣብቲ ህቴል ብዛዕባ ምንባራ ካብ ኣባላት ጸጥታኣ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይተረኽበን።

እቲ መብራህቲ ኣብ ዘቛረጸሉ እዋን፣ ፕረዚደንት ፓርክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ኣብ ዘዳለዎ ናይ ክብሪ ድራር ተዓዲማ ምንባራ ካልእ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ደቡብ ኮርያ ይገልጽ።

ኢትዮጵያ፣ ሰፋሕቲ ናይ ልምዓት መደባት ኣብ ምትግባር ከምዘላ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ማሕንቖታት ልምዓት ዝኾነ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ግና ዛጊት ከተውሕስ ኣይከኣለትን።

ዑደት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ፓርክ ጉዌን-ህየ ናብ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ልምዓትን ንግድን ዘተኮረ ዝርርብ ንምክያድ ይግለጽ።

እታ ፕረዚደንት ናይ ኢትዮጵያ ዑደታ ዛዚማ ብ28 ግንቦት ናብ ኡጋንዳ’ያ ኣምሪሓ።

ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብዝሰርዓቶ መደብ ከኣ፣ ዑደታ ብኬንያ ክትዛዝም’ያ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0