ፕረዚደንት ዚምባብዌ፣ ንዓመታዊ ዕረፍቲ ፣ስልጣኑ ንምክትሉ ኣረኪቡ

Radio Erena: 16 January 2022

ፕረዚደንት ዚምባብዌ፣ ኤመርሰን ምናንጋዋ፣ ንሰለስተ ቅነ ዝጸንሐ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክወስድ ድሕሪ ምውሳኑ፣ ስልጣኑ ንምክትሉ ኣረኪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ክሳብ 5 ለካቲት፣ ኣብ ዕረፍቲ ከምዝጸንሕ ዘመልከተ ቤት ጽሕፈቱ፣ ምክትሉ ኮንስታንቲኖ ቺዌንጋ ምሉእ ሓላፍነት ተረኪቡ፣ ብግዝያውነት ሃገር ክመርሕ ስልጣን ተዋሂብዎ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺዌንጋ፣ ንዚምባብዌ ን38 ዓመታት ንዝመርሐ ሮበትር ሙጋቤ፣ ኣብ 2017 ብውሕሉ ኣገባብ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ብምእላይ፣ ኣብ ስደት ንዝነበረ ምክትል ፕረዚደንት ምናንጋዋ፣ ስልጣን ከምዘረከቦ ኣይርሳዕን።

ምስ ሙጋበ ተሰሓሒቡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስደት ዝነበረ ኤምርሰን ምናንጋዋ፣ ድሕሪ ናብ ዚምባቤ ተመሊሱ ፕረዚደንት ምስ ኮነ፣ ነቲ ዕልዋ ንዝመርሐ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺዌንጋ፣ ካብ ሰራዊት ብጥሮታ ብምፍናው፣ ምክትሉ ጌርዎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓመታዊ ዕረፍቲ ስልጣኑ ዝሃደገ፣ ወዲ 79 ዓመት ፕረዚደንት ኤመርሰን፣ ቦትኡ ንሰለስተ ቅነ ንምክትሉ ኮንስታንቲኖ ቺዌንጋ ኣረኪቡ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ፣ ኣብ ሃገሩ ዚምባብዌ ከምዝጸንሕ’ዩ ተሓቢሩ።

ብምልኪ ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ መራሕቲ ንዓመታዊ ዕረፍቲ ስልጣኖም ብግዜያውነት ከረክቡ ልሙድ ተርእዮ ምስ ዘይምዃኑ፣ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፣ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ይርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0