ፕረዚደንት ኣልበሽርን መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻርን ተዘራሪቦም

ፕረዚደንት ኣልበሽርን መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻርን ተዘራሪቦም

Radio Erena: 12 August, 2014

Al bashir Machar

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር ምስ ፕረዚደንት ሪፖብሊክ ሱዳን ሓሰን ዑመር ኣልበሽር ተራኺቡ ተዘራሪቡ።

ማሻር፣ ኣብቲ ምስ ኣልበሽር ዘካይዶ ርክብ፣ ንምዕባለታት’ቲ ብኢጋድ ተማእኪሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ገሊጽሉ።

ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ኣሎና ዝበለ ሬክ ማሻር፣ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ጸገማት ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

 

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዓሙቕ ተሞክሮ ስለዘለዎ፣ ኣብ ምቛም መሰጋግሪ መንግስቲን ካልእ ጉዳያትን ናይ ምሽምጋል ተርኡ ክጻወት’ውን ሬክ ማሻር ሓቲቱ።

ሓደ እዋን ምስ መንግስቲ ሱዳን ብምውጋን፣ ኣንጻር ናጽነት ደቡብ ሱዳን ደው ዝበለን ድሕሩ ድማ ምስ ተቓለስቲ ደቡብ ሱዳን ብምጽንባር ናጽነት ደቡብ ዝደገፈን ሬክ ማሻር፣ ምስ ኩሎም’ቶም ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ቀጥታውን ተዘዋዋርን ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም መራሕቲ ከምዝተዘራረበ ዝዝከር’ዩ።

ዛጊት ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ርክባት ዘካየደ ማሻር፣ ምስቲ ንመንግስቲ ሳል ቫኪር ሚያርዲት ምሉእ ድጋፍ ኣብ ምሃብ ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሚሴቬኒ ንምርኻብ ኣብ ካምፓላ ዘካየዶ ዑደት ግና ኣይተዓወተን።

ሬክ ማሻር፣ ምስቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጽልዋ ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይተራኸበን።

መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን፣ ንመራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር ብወግዒ ብምኹናን ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዘለዎም ፖለቲካዊ ደገፍ ብወግዒ ከምዝገለጹ ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ዚ ኣብ ካርቱም ዘካይድዎ ርክባት’ውን ሬክ ማሻር ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ይኹን ንመንግስቲ ሱዳን ዝወከለ በዓል ስልጣን ከምዘይነበረን፣ መንግስቲ ሱዳን ድማ ብዛዕባ’ዚ ርክብ ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ከምዘይሃበሉን ተፈሊጡ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0