Update: ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኩነታት የመን ንምዝርራብ  ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዩ

Update: ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኩነታት የመን ንምዝርራብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዩ

Radio Erena: 29 April 2015

ISu Saud

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ኩነታት የመን ንምዝርራብ ትማሊ ሮቡዕ 29 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ወራስ ዓራት እታ ሃገርን ሚኒስተር ምክልኻልን መሓምድ ቢን ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ተራኺቡ ኣብ ህሉው ኩነታት የመንን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ንጉስ ሳልማንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እት ሃገርን ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያን ዝምድና ኤርትራን ስዑዲ ዓረብ ዘተኮረ ዝዝርብ ምክያዶም ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

 

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣቐዲሙ’ውን ብዛዕባ ተመሳሳሊ ጉዳይ ብዝምልከት ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ዝዝከር’ዩ።

ዝምድና ኤርትራን ስዑዲ ዓረብ ከምቲ ዝድለ ሓያል እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ግና ንኹለን እተን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ዝጸሉ ስለዝኾነ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘተኮረ ዝርርብ ከካይዳ ተገዲደን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘካየዱ ዕደት ዘካይድ ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት እዚ ንኻልኣይ እዋን’ዩ።

ንግሱ ዓብደላ ናይ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት እዚ ድሕሪ ሙሟቱ’ውን፣ መራሕቲ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ክርከቡ እንከለዉ፣ ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይተረኽበ መራሒ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጥርይ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ናይ ሎሚ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ንዝሕቱል ዝምድና እዘን ብቀይሕ ባሕሪ ዝዋሰና ሃገራት ናብ ዝሓሸ መድረኽ ከደይቦ ትጽቢት ከምዘሎ’ውን ሓያሎ ተንተንቲ ግምታቶም ይህብሉ።

ብስዑዲ ዓረብ ድሕሪ’ቲ ንኣስታት ወርሒ ዘካየደቶ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ናብ የመን ኣጋር ሰራዊት ንምልኣኽ ምድላዋት ከምዘላ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ድማ’ያ ብዛዕባ ኩነታት የመን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትዘራረብ ዘላ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሀ ልፍንታዊ መጥቃዕቲ ብወግዒ እኳ እንተዘይተቓወሞ፣ ኤርትራ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ምትእኽኻባት ከምዘይትጽንበር ግና ኣፍሊጡ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኤርትራ ኣብ የመን ኢድ ክህልዋ ይክእል’ዩ ዝብል ጥርጣረታትን ዝምድንኣ ምስ ኢራንን ንስዑዲ ዓረብ ካብ ዘሻቕላ ጉዳያት’ዩ።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0