Updated: ፕረዚደንት ኤርትራን ኣሚር ቀጠረን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘትዮም

Updated: ፕረዚደንት ኤርትራን ኣሚር ቀጠረን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘትዮም

Radio Erena: 19 August 2015

ISu Qatar

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ’ቲ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ምስ ኣሚር ቀጠር ሸሕ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ንምዝርራብ ብሮቡዕ 19 ነሓሰ ናብ ዶሓ ኣትዩ።

ቀጠር ነቲ ኣብ 2008 ዝተወልዐ ግጭት ኤርትራን ጅቡትን ንምሽምጋል ሓላፍነት ካብ እትወስድ ንደሓር፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሸውዓተ ዓመቱ ዝኾነ ፍረ ኣይተረኽቦን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ እቲ መስርሕ ክዕወተሉ ዘይክኣለ ምኽንያት ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብሰንኪ ዘለዎ ጽልዋ ምዃኑ ክጠቕስ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ብወገኑ ኤርትራ ደሃይ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ከይትሕብር ብምሕንጋዳ ከምዝተዓናቐፈ’ዩ ዝወቕስ።

 

ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕብ ከካቢታት ሒደት ቁጽሪ ዘለዎ ተዓዛቢ ሰራዊት ቀጠር ክሰፍሮ ክልትኤን ሃገራት ተሰማሚዐን እኳ እንተተሰማምዓ፣ ኣብቲ ዶብ ግጭት ንኸይውላዕ ዝኾነ ውሕስነት ከምዘይብሉ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፣ ጅቡትን ሱዳንን ዝርከብአን ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ከምዝስለፋ ከፍልጣ እንከለዋ፣ ኤርትራ’ውን ብወግዒ እኳ እንተዘየነጸረቶ ምስቲ ኣብ ስደት ኣብ ሪያድ ዝርከብ ብፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ዝምራሕ መንግስቲ የመንን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ክትተሓባበር ትርአ ኣላ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ናብ ቀጠር ዑደቱ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳይት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ጅቡትን፣ የመን፣ ደቡብ ሱዳንን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝኽሰት ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታትን ብዝምልከት ምስ ኣሚሪ ቀጠር ሸሕ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ክዘራረብ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንእግረ መንገዱ’ውን ኣብ ቀጠር ከተማ ዶሓ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ጥዕና ብዝተሓሓዘ ኣቐዲሙ ኣብ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተደጋጋሚ እዋናት መርመራ ከምዘካየደ’ውን እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0