ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝመርሖም  27 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ ፈጺሞም

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝመርሖም 27 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ ፈጺሞም

Radio Erena: 28 January 2015

Ob

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝመርሖም 27 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ ከምዝፈጸሙ ምህላዎም ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ምስ በዓልቲ ቤቱ ሚሸል ኦባማ ኣብ ህንዲ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ምክያድ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ሞት ንጉስ ዓብደላ ናይ ህንዲ ዑደቱ ከይዛዘመ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዘምርሐ ቤት ጽሕፈት’ቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።

 

ኦባማ ኣብዚ ብምኽንያት ሞት ንጉስ ዓብደላ ናብ ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ፣ ኣብ ጉዳይ የመንን ኢራንን ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዘሎ ዝምድና ከም ዘለዎ ዝቕጽለሉ መንገዲን’ውን ተዘራሪቡ።

ምስ ፕረዚደንት ባራካ ኦባማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዮም ካብ ዘለዉ 27 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ሓላፊ ሲኣይኤ ጆን ብሬናን፣ ወኪል ሰልፊ ሪፖብሊካን ጆን ማኬን፣ ኣዛዚ ሰራዊት ማእከላይ እዚ ኣመሪካን ካልኦትን ይርከብዎም።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንጉስ ዓብደላ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ብኣካል ክሳታፉ እንከለዉ፣ መብዛሕቶም ከኣ ወኪላቶም ልኢኾም’ዮም።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0