ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ጉዳይ የመንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ንምዝርራብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዩ

ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ጉዳይ የመንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ንምዝርራብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዩ

Radio Erena: 21 May 2015

Albashir in Sa

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ጉዳዩ የመን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ንምዝታይ ትማሊ ሮቡዕ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ሱዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ዑደት ከካይድ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ።

እዚ ሕጂ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘካየዶ ዑደት ድማ ከም መቐጸልታ ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጉዳይ የመን ብዝምልከት ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘዋስነን ሃገራት እተካይዶ ዘላ ዝርርብ’ዩ።

ኣቐዲማ’ውን ስዑዲ ዓረብ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተመሳሳሊ ዕድመ ከምዘቕረበትሉን፣ ምስ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ኣብ ሪያድ ድማ ናይ ክልተ መዓልታት ዝርርብ ከምዘካየደን ይዝከር።

 

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ናይ ኣጋር ሰራዊት መጥቃዕቲ ንምክያድ ምድላዋት ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን’ያ ምስ ኩለን’ተን ምስ የመን ብቀይሕ ባሕሪ ዝዋሰና ሃገራት ጽዑቕ ዝርርብ ተካይድ ዘላ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራን ሱዳንን ምስታ ንተቓወምቲ ሑቲ ዘለዋ ፖለቲካዊ ደገፍ ብወግዒ ዝገለጸት ኢራን ስለታዊ ወትሃደራዊ ዝምድና ክህልወን ይክእል’ዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ስዑዲ ዓረብ ከካይዶ ዝወጠነ ዑደት፣ እታ ሃገር መእተዊ ቪዛ ከምዝኸልኣቶ ኣብ ፈረንሳ እትዳሎ ኢንዲያን ኦሻን ኒውስ ሌተር ገሊጻ።

ስዑዲ ዓረብ ምስታ ንልፍንታዊ መጥቃዕቲ ኣንጻር ሑቲ ብወግዒ ዝደገፈት ጅቡቲ’ውን ዝምድናኣ ኣብ ምድልላድ ከምዘላ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ናብ ስዑዲ ንኸይኣቱ ቪዛ ዝከልከለትሉ ምኽንያት ብንጹር ኣይተሓበረን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት ናይ ኢራን መርከብ ሎሚ ናብ ወደብ ሖዴዳ ክትኣቱ ምዃና ተገሊጹ።

ስዑዲ ዓረብ እትርከበን ሃገራት ወሽመጥ ነዚ ናይ ኢራን ተበግሶ ብምቅዋም፣ እታ መርከብ ጽዕነታ ቅድሚ ምርጋፋ ክትፍተሽ ይሓታ ኣለዋ።

ኢራን ግና ነዚ ናይ ሃገራት ወሽመጥ ሕቶ ነጺጋቶ ኣላ።

====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0