ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፣ ቮልከር ፐርትስ ብወለንትኡ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ

Radio Erena: Thursday, 14 September 2023

ምስቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብ ምስሕሓብ ዝጸንሐ ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፣ ቮልከር ፐርትስ ብውለትንኡ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ።

ቮልከር ፐርትስ፣ ብ13 መስከረም ንዝተጋብአ ፍሉይ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ጸብጻቡ ድሕሪ ምቕራብ’ዩ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ።

ኣቐዲሙ እቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ካብ ስልጣኑ ክእለ ክጽውዕ ዝጸንሐ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ናብቲ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንዝተጋእበ ፍሉይ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ጸብጻብ ከየቕርብ’ውን ከጠንቅቕ ጸኒሑ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ነቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፣ ‘ወገናዊ’ ብምባል ‘ዩ ዝወቕሶ።

እቲ ወኪል፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራውያን መራሕቲ ተሪር ተነቐፌታ ከቕርብን፣ ብተኽእሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸሶምን ምጽንሑ ይፍለጥ።

ካብ 2021 ኣትሒዙ ናብ ሱዳን ሱዳን ዝተመደበ ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ መዝነቱ ቅድሚ ምስንባቱ፣ ካብ 07 ግንቦት ክሳብ 20 ነሓሰ፣ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ምዕባለታት ብዝምልከት፣ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ጀርመናዊ ፖለቲከኛ ዝትክእ ካልእ ፍሉይ ወኪል ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክምዝዝ ትጽቢት ይግበር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0