ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማል፣ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ በጺሑ

Radio Erena: 30 July 2019

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማል፣ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከምዝበጽሐ ማዕከን ዜና ጋሮወ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኮይኑ ዝተመዘዘ ጄምስ ስዋን፣ ንመጀመርያ እዋኑ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ፕረዚደንት ሙሰ ቢሐን ኣባላት ካቢኔኡን ተመያይጡ።

“ዕላማ ዑደተይ፣ ኣብ ቁጠባ፣ ምሕያል ምሕደራ መንግስትንን ሽርክነትን ዘድሃበ’ዩ” ክብል’ውን ገሊጹ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ዑደቱ፣ ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ኣሰንዮሞ።

ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ካብ ሶማልያ ተፈንጪላ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር ኣቝማ እኳ እንተላ፣ ከም ሉኣላዊት ሃገር፣ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ኣይረኸበትን።

ይኹን’ምበር ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ምስ መራሕቲ ናይዛ ርእሰ ምምሕዳር ዘተን ስምምዓት የካይዱ ብምህላዉ፣ ንሉኣላውነት ሶማል ዝትሕ’ዩ ክብል’ዩ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዝወቕስ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0