ፊንላንድ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ 2.6 ሚልዮን ዶላር መደባት ትምህርቲ ትምውል

ፊንላንድ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ 2.6 ሚልዮን ዶላር መደባት ትምህርቲ ትምውል

Radio Erena: 11 April 2018

Finland Eritrea

መንግስቲ ፊንላንድ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ 2.6 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክታት ትምህርቲ ይምውል ምህላዉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ ዘተኮረ መደባት፣ ኣብ ስልጠና መማህራን፣ ኣመሓደርቲ ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ምትእትታው ዲጂታላዊ ቤት ንብባን ዘመናዊ ማእከል መጽናዕትን ዘጠቓለለ ኮይኑ ምሉእ ብምሉእ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ዝተመወለ’ዩ።

እቲ ኣብ 2015 ዝፈለመ ፕሮጀክት ክሳብ መወዳእታ 2018 ክጸንሕ’ዩ።

ኣብ ኣስመራ፣ ከረን፣ ባጽዕ፣ ዓዲ ቀይሕን ማይነፍሕን ንዝረካባ ትካላት ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ብምትዃር ይሰርሕ ከምዘሎ’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

መንግስቲ ፊንላንድ ካብ 2014 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትምህርቲ ዘተኮረ ዝተፈላለየ መደባት ብምወላ የካይዶ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0