ፈይስቡክ፣ ብኤጀንሲ ድሕነት መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ዝውነን ገጻት ዓጽዩ

Radio Erena: 17 June 2021

ፈይስቡክ፣ ብኤጀንሲ ድሕነት መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ዝውነን ገጻት ከምዝዓጸወ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፈይስቡክ ነዘን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዝውነን ኤጀንሲ ድሕነት መርበብ ሓበሬታ ዝነበራ ገጻት ዝዓጸወሉ ምኽንያት፣ ምርጫ ኢትዮጵያ መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣንጻር ተቓወምቲ ሰልፍታት፣ ውድባትን ዕጡቓት እታ ሃገርን ዝቐንዐ፣ ጸለመ፣- ጸርፊን ሓሶትን ዝሕሓዘ ትሕቶታት ክዝርግሓ ብምጽንሐን’ዩ።

እተን ዝተዓጸዋ ገጻት ብዝሐን ክንደይ ምዃኑ እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ምስቲ መንግስታዊ ትካል ቅርበት ብዘለዎም ሰባትን ትካላትን ዝተኸፍታ ምዃነን’ዩ ተመልኪቱ።

እቲ ብ ‘ኢንሳ’ ዝፍለጥ፣ ኣብ ድሕነት ሓበሬታን ስለያን ዝነጥፍ ትካል፣ ብቀጥታ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ከምዝእዘዝ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኢትይጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ብፈይስቡክ ዝተወስደ፣ ምስ ኢንሳ ምትእስሳር ዝነበሮም ገጻት ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ብዝምልከት፣ ዝኾነ ሓበሬት ኣይሃበን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0