ፈረንሳ፣ ንፌስቡክ ብጽኑዕ ካብ ዝቖጽጸራ ሃገራት ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ

ፈረንሳ፣ ንፌስቡክ ብጽኑዕ ካብ ዝቖጽጸራ ሃገራት ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ

Radio Erena: 16 May 2016

Face

ፈረንሳ ንፌስቡክ ብጽኑዕ ካብ ዝቖጻጸራ ሃገራት ቀዳመይቲ ምዃና ተሓቢሩ።

ሓንቲ ካብ ተጣበቕቲ ናጽነት ፕረስ ምዃና እትግለጽ ፈረንሳ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2015 ጥራይ ኣብ ፌስቡክ ካብ ዝተኸፍቱ ሚልዮናት ገጻት ን37,990 ክዕጾ ንወናኒ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበግ ጥርዓን ከምዘቕረበት ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ ስታቲስታ ኣፍሊጡ።

መንግስታት ካብ ፌስቡክ ክእለዩ ጥርዓናት ካብ ዘቕረብሎም ብዝሒ ገጻት፣ እዚ ናይ ፈረንሳ ኣብ ቀዳምይ ደረጃ ክስራዕ እንከሎ ብኻልኣይ ከኣ ህንዲ ብ30,126 ተሰሪዓ ኣላ።

 

ብመሰረት እቲ ስታቲስታ ኣቕሪብዎ ዘሎ ዝርዝር፣ ንፈረንሳን ህንድን ተኸቲለን ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ብብዝሒ ዝዓጸውኦ ገጻት ፈስቡክ- ብቅደም ተኸተል ተሰሪዐን ካብ ዘለዋ ሃገራት ቱርኪ(6574)፣ ጀርመን(554)፣ እስራኤል (431)፣ ኦስትርያ (105) ሩስያ(84) ብራዚል ከኣ 41’ዩ።

ገጻት ፌስቡክ ብምዕጻው ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ዘለ ፈረንሳ፣ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸመ ክልተ ሽበራዊ መጥቃዕታት ሽበራ ዝተኣሳሰር ምዃኑ’ያ ትገልጽ።

ከም ፌስቡክን ትዊተርን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያታት፣ ኣብ ምስፍሕፋሕ ደሞክራስን ለውጥን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር እኳ እንተሎ፣ ሓያሎ ሃገራት ናይ ሽበራን ካልእ ስግኣታትን እናቕረባ ክዓጽውኦ ወይ ከኣ ጽኑዕ ምቑጽጻር ክገብራሉን ይርኣያ ኣለዋ።

ፌስቡክ ካብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ጠቕሊሉ ከምዝወጽእ ዝገበራ ቻይና፣ ኢራንን ሶርያን ኣብዚ ብስታቲስታ ቀሪቡ ዘሎ ዝርዝር ሃገራት ተጠቐምቲ ኢንተርነትን ፌስቡክን ኣይኣተዋን።

ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘሎ ውሑድ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከኣ ብዝሒ ተጠቓሚ ፌስቡክ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝኽእል ኣይኮነን።

ብናጽነት ፕረስ ድሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝተሃተ ደረጃ ተሰሪዓ እትርከብ ኢትዮጵያ’ውን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትሽዓተ ብኢንተርነት መልእኽቲ ዘመሓላልፉ ሰባት (ብሎገራት) ክትቅይድ እንከላ ሎሚ ዓመት ከኣ ብዛዕባ ኩነታት ግጭት ኦሮሞ ዝብምልከት ብፌስቡክ መልእኽቲ ንዘመሓላልፈ ዜጋኣ ብሽበራ ከሲሳ ኣላ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ’ውን፣ “ፌስቡክ ጨንፈር ኣየርላንድ፣ ኣንጻረይ ጽዑቕ ናይ ጽልኢ ዘመተ ኣካይዱ፣” ብምባል፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክሲ ከምዝመስረተ ጋዜጣ ኣይርሽ ታይምስ ተመልክት።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0