ፈረንሳ፣ ብኵናት ንዝዓነወ ክፋል ኢትዮጵያ ዳግም ኣብ ምህናጽ ክትሳተፍ መብጽዓ ኣትያ

Radio Erena: 20 February 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣትዩዎ ንዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ፣ ካብ ኣብ ወተሃደራዊ ሃይሊ ዝያዳ፣ ኣብ ሰላማዊ ዘተ ከተኩር ከምዘለዎ ፈረንሳ ኣተሓሳሲባ።
ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብ17 ለካቲት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረዲኤትን መድሃኒትን ናብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ክኣቱ ምፍቃዱ ድሕሪ ምንኣድ፣ ቀጻልነቱ ክረጋገጽ፣ ምሉእ ውሕስነት ክህብ ጸዊዑ።
ዋዕላ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተኻየደ ርክብ መራሕቲ ፈረንሳን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ከምዝዘተየ፣ ካብ ብራስለስ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
ነዚ ፈረንሳ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን እትጽበዮ ዘላ ምምሕያሽ ዝምድናን ዘተ ሰላምን ንምትብባዕ፣ እታ ሃገር ኣብ ዳግመ ህንጻ ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት ክትሳተፍ ምዃና፣ ኢማኑወል ማክሮን ቃል ኣትዩ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ሃገሩ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብቀረባ ትከታተሎ ከምዘላ ብምዝኽኻር፣ ብኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ዘሎ ሽምግልና ንዘተ ሰላም ክዕወት ዝያዳ ጻዕርታት ከካይድ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ተማሕጺኑ።
ከምዝፍለጥ ፈረንሳ፣ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ማያት ኤርትራ ክትሃንጾ ዝመደበት ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምቛም መደብ ብገንዘብን ሞያዊ ስልጠናን ክትተሓባበር ዝነበረ ስምምዕ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ኲናት ሓድሕድ ድሕሪ ምውልዑ፣ ደው ኣቢላቶ እያ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0