ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ብዛዕባ ‘ቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ንምዝታይ ናብ ካርቱም ኣትዩ

Radio Erena: 22 January 2021

ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፣ ዶሚኒክ ራብ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ብሪጣንያ፣ ብዛዕባቲ’ቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ንምዝታይ ናብ ካርቱም ኣትዩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፣ ብረቡዕ 20 ጥሪ ናብ ናብ ካርቱም ድሕሪ ምእታዊ ምስ ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ሓፈሻዊ ምዕባለታት እቲ ዞባን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይክኣለ ሱሉሳዊ ዘተ ኣጠቓዕማ ናይልን ክዝቲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሱዳን፣ ናብ ደሞክራስሲ ንምስግጋር ኣብ ተኣፋፊ መስርሕ ከምዘላ ዝጠቐሰ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ሃገሩ ኣብ’ዚ መድረኽ እዚ ኣብ ጎኒ ሱዳን ደው ክትብል ከምእትደሊ ኣረጋጊጹ ክብል ኣገላግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ብዶብ ተሳቢቡ ዝተወልዐ ግጭት፣ ናብ ምሉእ ኵናት ከይዓረግ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ምትፍናን እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ግብጽን ተጀሚሩ ዝጸንሐ ዘተ ንስምምዕ ኣጠቓቕማ ናይል ክዕንቅፎ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ይህቡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0