ጎንደር፣ ከባቢ መተማ ብዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ብዙሓት ሰባት ናብ ሱዳን ተፈናቒሎም

ጎንደር፣ ከባቢ መተማ ብዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ብዙሓት ሰባት ናብ ሱዳን ተፈናቒሎም

Radio Erena: 07 November 2018

Gonder

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጎንደር፣ ከባቢ መተማ ኣብ ዚ ሳልስቲ’ዚ ብዝተጎሃሃረ ሓድሽ ግጭት፣ ብዙሃት ሰባት ናብ ሱዳን ተፈናቒሎም።

ሓያሎ ካብቶም ካብ ግጭት ሃዲሞም ናብ ሱዳን ሰጊሮም ዘለዉ መብዛሕቶም ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ኢትዮጵያን፣ ፈኵስን ከቢድን ጉድኣት በጺሕዎም ከምዘሎ ተገሊጹ።

በቲ ንተወላዶ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ግጭት፣ ሓያሎ ትካላት ከምዝተቓጸለ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ከባቢሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ግጭት ንምርግጋእ ናብቲ ከባቢ ሰራዊት ኣዋፊሩ ከምዘሎ ይግለጽ እንተሎ፣ ኣብ መተማን ከባቢኡን ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር የመልክቱ።

ኣቐዲሙ’ውን ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ኣላማጣ ተመሳሳሊ ግጭታት ከምዝተወልዐ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብብሄራትን ክልላትን ብሰንኪ ዝተጎሃሃረ ግጭታት፣ ኣማኢት ሰባት ክቐተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ከኣ ካብ መነባብርኡ ከምዝተፈናቐለ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይጠቕሱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0