ግብጽን ኣልጀርያን፣ ብዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኣልጀርስ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ከምዝርከባ ተገሊጹ

Radio Erena: 08 September 2022

ግብጺ፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣልጀርያ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ ሃገራት ዓረብ፣ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ትደፍኣሉ ከምዘላ መርበባት ዜና እቲ ዞባ ኣቃሊሐን።

ኣብ 2020 ከምኡ ድማ ኣብ 2021 ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዘይተኻየደ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ንምትእንጋድ ትሰርሕ ከምዘላ ዘረጋገጸ ኣልጀርያ ብወገና፣ ብዛዕባ ናይ ግብጺ መርገጺ ንምንጻር ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪላ ናብ ካይሮ ልኢኻ ኣላ።

ሚኒስተር ራምታን ላማራ፣ ብ6 መስከረም ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ቤት መንግስቲ ሻርም ሸኽ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ካብ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዝተላእከ ደብዳቢ ኣብጺሑ።

ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ዓብደልማጂድ ጠብዑን ኣብ ደብዳቤኡ፣ እቲ ግብጻዊ መዘንኡ ኣብቲ ኣብ ኣልጀርያ ዝካየድ ዋዕላ ሃገራት ዓረብ ክሳተፍ ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበሉ እተን መርበባት ሓቢረን።

ፕረዚዚደንት ግብጺ ብወገኑ፣ ኣብ ኣልጀርያ ንዝካየድ ዋዕላ ሃገራት ዓረብ ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ፣ ክሳተፍ ምዃኑ ንሚኒስተር ራምታን ከምዝኣንፈተሉ ጠቒሰን።

ግብጺ፣ ምስ ኣልጀርያ ዝምድናኣ ንምትራት ክትሰርሕ ድሌት ከምዘለዋ ክትገልጽ እኳ እንተጸንሐት፣ ብ28 ነሓሰ ናብ ኣልጀርያ ዑደት ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ዝተገብረሉ ኣቐባብላን ግና ከምዘየሐጎሳ ክስማዕ ቀንዩ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ኣልጀርያ ዑደቱ፣ ምስ ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃንን፣ ምሕያል ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ግብጺ ዘሰሓሕባ ዘሎ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶን ‘ዩ ተመያይጡ።

ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል ንመርገጺኣ ክድግፋ፣ ግብጺ ዲፕሎማስያዊ እምነት ኣህዲራትለን ከምዘላ ‘ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ ኣልጀርያ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝገበረትሉ ኣቐባብላ ኣብ ግብጺ ኣሉታዊ ስምዒት ከምዝፈጠረን፣ ከም ግብረ መልሲ ድማ ኣብ ኣልጀርስ ክካየድ ንዝተመደበ ዋዕላ ሃገራት ዓረብ ክናዋሕ ዲፕሎማስያዊ መሰናኽል ትፈጥር ከምዘላ ተንተንቲ የረድኡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0