ግብጺ ካብ ሃገራት ዓረብ 6 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ረኺባ

ግብጺ ካብ ሃገራት ዓረብ 6 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ረኺባ

Radio Erena : 24 April 2015

national bank Eg

ግብጺ ካብ ሰለስተ ሃገራት ዓረብ ናይ 6 ቢልዮን ዶላር ፊናንስያዊ ልቃሕ ረኺባ።

እቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ኩዌትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነፍሲ ወከፈን ዝለገስኦ ከክልተ ቢልዮን ዶላር ፊናንስያዊ ልቃሕ፣ ነታ ብቁጠባዊ ቅልውላው ብከቢድ ተጸልያ ከምዘላ ዝንገረላ ግብጺ ኣብ ምሕያል ቁጠባ ክሕግዛ ተባሂሉ’ዩ።

እቲ ብመልክዕ ልቃሕ ዝተዋህበ 6 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ብቀጥታ ናብ ሃገራዊ ባንክ ግብጺ ከምዝተሰጋገረ’ውን ኣመሓዳሪ እቲ ባንክ ሂሻም ራመዝ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ወለድ ናይቲ ልቃሕ 2.5 ሚእታዊ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ኣመሓዳሪ፣ ኣብ ውስጢ ሓሙሽተ ዓመታት ክምለስ ትጽቢት ከምዘሎ ኣረዲኡ።

 

ኣብ ግብጺ፣ ድሕሪ’ቲ ንመሓመድ ሙርሲ ካብ ስልጣኑ ዝኣለየ ወትሃደራዊ መንግስቲ ምቛሙ፣ ሃገራት ዓረብ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ሓገዝ ክገብራላ ጸኒሐን’የን።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሸርም ሸኽ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ድማ ንግብጺ 12.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ወፍርን ፊናንስን ሓገዝ ክገብራላ ምዃነን ተመባጺዐን’የን።

ካብ ሃገራት ዓረብ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ግብጺ ዝበዝሐ ክፋል ናይ ባጀታ ንወትሃደራዊ መዓላ ከምእትስልዖ ዝፍለጡ’ዩ።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ 6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን 20 ነፈርቲ ውግእ ካብ ፈረንሳ ከምዝሸመተት ኣይርሳዕን።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0