ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሊብያን ዘተኮረ ዘተ ሃገራዊ ምኽሪ ምክልኻል ኣካይዳ

Radio Erena: 21 July 2020

ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሊብያን ዘተኮረ ዘተ ሃገራዊ ምኽሪ ምክልካል ምክያዳ ኣፍሊጣ።

እቲ ብፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ተመሪሑ፣ ሚኒስተር ምክልኻል፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣፈኛ ፓርላማን ጥራይ ዝተሳተፍዎ ዘተ፣ ግብጺ ካብ ኢትዮጵያን ሊብያን ንዘንጸላልዋ ዘሎ ስግኣታት እትገጥመሉ ኣገባባት ንምምካር ዝዓለመ’ዩ።

ኣብ ሊብያ፣ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ክዋፈር ከምዘይብሉ እትገልጽ ግብጺ፣ ንሳ ብወገና ምስቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምራሕ ሓይሊ ወጊና ከምዘላ’ያ ትውቀስ።

ቱርኪ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ንምድጋፍ ሰራዊታ ኣዋፊራ ብምህላዋ፣ ግብጺ ብወገና ረብሓታታት ንምሕላው ሰራዊታ ብምዕራባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ብወግዒ ንምልኣኽ ፓርላማ ደጊፉ ሂቡ ኣሎ።

ኣብ ጉዳይ’ቲ፣ ” ንህላወይ ዝፈታተን’ እትብሎ ዘላ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን፣ ኢትዮጵያ ማይ ከተዕቝረሉ ከምዝጀመረት ዝዝረበሉ ዘሎ ዲጋ ተሃድሶን፣ ቅድመ- ስምምዕ ዝትግበር ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ተበግሶ፣ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ፣ ግብጺ፣ ብሰንበት 19 ሓምለ ኣብ ዘካየደቶ ዘተ ሃገራዊ ምኽሪ ምክልኻል ደጊማ ኣጠንቂቓ ኣላ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0