ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ ሰለስተ መደበራት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሃንጽ’ያ

ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ ሰለስተ መደበራት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: 10 May 2018

Power plant

ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ ሰለስተ መደበራት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሃንጽ ምዃና ተገሊጹ።

እቲ 7 ሚልዮን ዶላር ተገሚቱ ዘሎ ምህናጽ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪ ኣብ ኤርትራ፣ ትማሊ ሮቡዕ 9 ግንቦት ብካቢነ ሚኒስተራት ግብጺ ምሉእ ደገፍ ከምዝረኸበ ማዕከን ዜና Egypt Today ኣፍሊጡ።

እቲ ማዕከን ዜና ብተወሳኺ፣ 4 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ትጽቢት ተጌርሉ ዘሎ ናይ ኤርትራ ፕሮጀክት፣ ብዓረባዊ ማሕበር ንምዕባለን ክትግበር ምዃኑ ጠቒሱ።

ሚኒስተሪ ሕርሻን ኣጠቓቕማ መሬታን ግብጺ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ግብጽን ኤርትራን ኣብ ሕርሻን ጸዓትን ዘተኮረ ሓባራዊ መደብ ክካየድ ምዃኑ ገሊጺ ኔሩ።

እዚ ኣብ ኤርትር ዝትከል መመንጨዊ ሓይሊ ኢሌክትሪክ፣ ከም ኣካል ናይቲ ግብጺ፣ ከም ኣካል ናይቲ ኣባላት ማይ ክዖ ናይል ዝኾና ሃገራት ንምትሕግጋዝ ዝወጠነቶ ናይ ጸዓት ፕሮጀክታት’ዩ።

ግብጺ፣ ንኡጋንዳ’ውን 4 ሜጋዋት ዘመንጩ ጸሓያዊ ጸዓት ክትተኽለላ ምዃና ኣብታ ሃገር ዑደት ዘካይዶ ዘሎ ፕረዚደንት ዩዌሩ ሙሴቬኒ ገሊጹ ኣሎ።

ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ፣ ኣብ ካልኦት ናይል ዘዋስነን ሃገራት’ውን ተመሳሳሊ መደባት ከምዘለዋ’ያ ትሕብር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0