ግብጺ፣ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣቝመ ትብል

ግብጺ፣ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣቝመ ትብል

Radio Erena: 26 July 2017

Egypt new military base

ግብጺ፣ ብዕብየቱ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን መወዳድርቲ ዘይብሉ’ዩ ዝበለቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ብ22 ሓምለ ከምዘመረቐት ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እዚ ብስም ቀዳማይ መራሒ እታ ሃገር ነበረ መሓመድ ናጂብ ዝተሰየመ፣ ኣብ ኣሌክሳንድያ ቆይሙ ዘሎ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ንኽህነጽ ክልተ ዓመት ከምዝወሰደ ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ መዓስከር፣ መደበር ኑክሌር’ውን ክህልዎ ምዃኑ’ያ እታ ሃገር ትገልጽ።

ኣብ ምምራቕ’ቲ፣ 75 ኪሎሜተር ጽርግያታትን 1115 ህንጻታት ዘጠቓለለ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ባሕሬንን ኩዌትን ተሳቲፉ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ መመረቕታ እቲ መዓስከር ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ወከልቲ ሃገራት ዓረብ ኣብቲ ኣጋጣሚ ምርካቦም፣ ኣብ መንጎም ዘሎ ሓድነት ዘብርህ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ግብጺ፣ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ ዝበለቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ተመርቕ ዘላ፣ ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ብምስላፍ ምስ ቀጠር ኣብ እትስሓሓበሉ ዘላ እዋን’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0