“ግብጺ፣ ንጸጥታ ኢትዮጵያ ዝጻብኡ ወገናት ካብ ምድጋፍ ከምእትቁጠብ ገሊጻ” ቀ/ሚ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 21 April 2017

Ethio FM

ግብጺ፣ ንጸጥታ ኢትዮጵያ ዝጻብኡ ወገናት ካብ ምድጋፍ ክትቁጠብ ከምዝተመባጽዐት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝሓበረ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ብሮቡዕ 19 ሚያዝያ ኣብ ካይሮ ብምርኻብ፣ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን’ዩ።

ክልቲኦም ሚኒስተራት ኣብቲ ናይ ካይሮ ርክቦም፣ ብዛዕባ’ቲ ገና ንኢትዮጵያን ግብጽን ዘሰሓሕብ ዘሎ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማ ናይልን ከምዝተዘራረቡ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ ዘምርሕ ዘሎ ሚኒስተር ሃብቲ ማይ ግብጺ ዓብደልዓቲ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ንምዝርራብ ናብ ኢትዮዮጵያ ኣብ ዝኣተወሉ ዕለት’ዩ።

ምስ ግብጺ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ክትረዳዳእ ዘይክኣለት ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ግብጺ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ይድግፍ ኣሎ እናበለት’ያ ክትወቅስ ጸኒሓ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ግብጺ ውልቀሰባት ይኹን ንጥፈታት ደው ከተብሎ ከምዝተመባጽዐት ሓቢሩ።

ኣብ ግብጺ ዝርከብ ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ኦሮሞ፣ ብፍላይ ከኣ ንጥፈታት መርበብ ሜድያ ኦሮሞ ካብቲ ደው ክብል ምዃኑ ግብጺ መብጽዓ ዝኣተወቶ ምዃኑ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ምስ ጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣመልኪቱ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0