ጋምብያ፣ ሚኒስተራት ካብ ስልጣን ምውራድ ንዝሓንገደ ፕረዚደንት ይርሕርሑ

Radio Erena: 19 January 2017

Gamgam

ኣብ ምርጫ ዝተሳዕረ ፕረዚደንት ጋምብያ ያሕያ ጃምህ፣ ካብ ስልጣን ከምዘይእለ ደጊሙ ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ወግዓዊ መራሒ እታ ሃገር ንኸይቅበሎን፣ ወትሃደራዊ ምትእትታው ክፍጽምን ጻዕርታት ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ዝመጸን ን22 ዓመታት ከኣ ነታ ሃገር ዝመርሐን የሕያ ጃመህ፣ ኣብ ምርጫ ከምዝተሳዕረ ተኣሚኑ ስልጣን ንምርካብ ተዳልዩ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ሓሳቡ ብምቕያር’ዩ፣ ካብ ስልጣን ከምዘይእለ ዝገልጽ ዘሎ።

መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ እቲ ፕረዚደንት ስልጣኑ ብሰለማዊ መንገዲ ነቲ ብ ምርጫ ዝተዓወተ ከረክብ ዘካየድዎ ተደጋጋሚ ፈተነታት ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም መራሒ ጋምብያ ከይቕበሎን ካብ ስልጣን ብሓይሊ ንምእላዩ ወትሃደራዊ ምትእትታው ክፍጽምን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ድፍኢት ይቐርብ ኣሎ።

ኩነታት ጋምብያ ናብ ዝኸፍአ ኣንፈት ኣብ ዘምርሓሉ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝርከብዎም ሓያሎ ኣባላት ካቢኔ ሚኒስተራትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ንያሕያ ጃመህ ብምርሕራሕ ካብ ስልጣኖም ይእለዩ ምህላዎም ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ይሕብራ።

ዛጊት ነቲ መንግስቲ ዝራሕርሑ ሚኒስተራት ኣርባዕተ በጺሖም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ያሕያ ጃምህ፣ ባይቶ’ታ ሃገር ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ከምዝደገፎ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ እትርከብ ጋምብያ፣ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ እናወደቐትን መጻኢኣ እናጸልመተ ይኸይድን ኣብ ርእሲ ምህላዉ፣ ተኽእሎ ወትሃደራዊ ግጭት’ውን ስለዘንጸላለዋ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ክወጹ ጀሚሮም።

ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዜጋታት ብሪጣንያ ክወጹ እንከለዉ፣ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት’ውን ኣሰሮም ይስዕቡ።

ፕረዚደንት ያሕያ ጃመ፣ ሓደ ካብቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም 8 ዕሉላት ውልቀ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃኑ ፖለቲከኛታት ይገልጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0