ገዳርፍ፣ ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 14 May 2019

ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ገዳርፍ ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ንሓላፊ ጸጥታ እቲ ዞባ፣ ብርጋዴር ጀነራል ሳልሕ ያሕያ ኣበከር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ በቲ ቀዳም 11 ግንቦት ለይቲ ዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዉ 22 ሰባት’ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

እቲ ግጭት ኣብዚ እዋን’ዚ ሃዲኡ ከምዘሎ እቲ ጀነራል ይጠቕስ።

ብሰንኪ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ስርዓት ከምዝተጎሃሃረ ዝወቕሱ ተቓወምቲ ብወገኖም፣ ሓያሎ ኣባይቲ ብባርዕ ከምዝተሃሞኸን ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉን ኣመልኪቶም።

ሓድሽ ስርዓት ሱዳን፣ ኣብቲ ዞባ እኹል ዝስተ ማይ ከይህሉ ምኽልካሉ፣ ብዝሰዓበ ዋሕዲ ዝስተ ማይ ዝተጎሃሃረ’ዩ ክብሉ ይወቕሱ።

ኣብ ዞባ ገዳርፍ፣ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0