ገደም፣ ማእከል መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምስልጣን ይዳሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

ገደም፣ ማእከል መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምስልጣን ይዳሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 12 October 2018

Eritrean Navy

ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ፣ ገደም ማእከል መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምስልጣን ይዳሎ ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ካብ ሕርጊጎ ንደቡብ 10ታት ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ፣ ገደም ማእከል መሰለጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክዳኸም ከምዝጸንሐ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን ዳግመ ስርርዕን ምሕዳስን ይካየደሉ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ምውድቕ ስርዓት ደረግ ዝተበተነ ሓይሊ ባሕራ ዳግም ከተቑሞ ምዃና’ያ ትገልጽ።

እታ ሃገር፣ ስልጠና ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣበይ ከምእተካይዶ ኣየነጸረትን።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፣ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ጅቡታዊ መዘንኡ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኢትዮጵያ ንእተቑሞ ሓይሊ ባሕሪ፣ ደገፍ ጅቡቲ ከምዘይፍለያ እምነቱ ምዃኑ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዝገበርዎ ስምምዕ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ብሓባር ምስራሕን ምትሕግጋዝን ዝብል ይርከቦ።

ይኹን’ምበር ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓባበሩ ምዃኖም ዝገልጽ ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0