ጅቡቲ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ባሕሪ ምስ መንግስቲ የመን ከምእትተሓባበር ገሊጻ

ጅቡቲ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ባሕሪ ምስ መንግስቲ የመን ከምእትተሓባበር ገሊጻ

Radio Erena: 19 January 2015

DjYe

ጅቡቲ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ምስ መንግስቲ የመን ከምእትተሓባበር ኣረጋጊጻ።

እታ ስትራቴጅያዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ እትውነን ጅቡቲ፣ ነዚ ዘረጋገጸ ኣብ ሰንዓ ዝርከብ ኣምባሳደራ መሓመድ ሕርሲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ካልድ በሓሕ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሖዴዳን፣ ዝቑር ሓኒሽ ዝርከቦ ስትራቴጅያዊ ደሴታትን ኣብ ኢድ ተቓወምቲ ሑቲ ድሕሪ ምውድቁ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል’ዩ ዝብል ትንተናታት ክወሃቦ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ፣ ንመንግስቲ የመን ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ ኣብ ምሕላው ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ምትሕብባር ክገብር ምዃኑ ብመንገዲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኣምባሳደሩ ምግላጹ ይዝከር።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ኣብ ጉዳይ የመን ተበግሶታት ክወስዳ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝጸውዐ ጋዜጣ ኣልሞኒቶር ኣረጋጊጻ’ያ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0