ጂቡቲ፣ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውባ ከባቢታት ሰራዊት ኣዋፊራ ንዝብል ሓበሬታ ነጺጋ

Radio Erena: 26 July 2021

ጂቡቲ፣ ናብቲ መጥቃዕቲ ክካየደሉ ይኽእሉ’ዩ ተባሂሉ ዝጥርጠር ከባቢታት ዶባ ምስ ኢትዮጵያ፣ ሰራዊታ ልኢኻ ንዝብል ሓበሬታ ነጺጋ።

ንሚኒስተር ቁጠባን ፋይናንስ፣ ኤልያስ ዱዋለ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘቕርብኦ ብሓበሬታ መሰረት፣ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ገጹ ዝተንቀሳቀሰ ሰራዊት ጂቡቲ የለን።

‘ጂቡቲ፣ ዝረኣያ ዝኾነ ቀጥታዊ ሓደጋ ስለዘየለ፣ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ከባቢታት ሰራዊት ምውፋር ዘድሊ ኣይኮነን’ ክብል’ውን እቲ ሚኒስተር ኣረዲኡ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ንኢትዮጵያ ምስ ወደብ ጂቡቲ ዘራኽበ መስመር ንምቑጽጻር ይግስግሱ ኣለዉ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን፣ ጂቡቲ ኣብ ዶባት ሰራዊታ ተዋፍር ኣላ ዝብል ዜና ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ክጋዋሕ ጸኒሑ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0