ጂቡቲ፣ ማእከል መድሕን ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተቐርቂሮም ዝጸንሑ ወጻእተኛታት ኮይና

Radio Erena: 26 April 2023

ሃገራት ዓለም ዜጋታተን ካብ ሱዳን ንምውጻእ ኣብ ዝጓየያሉ ዘለዋ እዋን፣ ጂቡቲ ማእከል መድሕን ኮይና ኣላ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ኣብ ዘዘርግሖ ሓበሬታ፣ እታ ሃገር ብዘለዋ ስትራቴጃዊ ኣቀማምጣ፣ ሰላምን ጽቡቕ ኣህጉራዊ ዝምድናታትን፣ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታታን ንምድሓን ቀዳማይ ምርጭአን ኮይና ምህላዋ ኣስሚርሉ።

ሚኒስተር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፣ ንምውጻእ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ካብ ሱዳን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እታ ሃገር ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆ ግዝያዊ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ኩነታት ኣብ ዝሓጸረ ናብ ንቡር ክምለስ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ንሱ፣ ሱዳን ምስ ሸሚንተ ሃገራት ከምእትዳወብ ብምዝኽኻር፣ መብዛሕተን ድማ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ስለዝርከባ፣ ካብ ሱዳን ዝግንፍል ሓደገኛ ኩነታት፣ ንጸጥታአን ክጸልዎ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።

ዛጊት ልዕሊ 11 ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ኣስታት 2 ሽሕ ዜጋታተን ከውጽኣ እንከለዋ፣ ከም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ፣ ካብቲ ኣብ ኵናት ተቐርቒሮምሉ ዘለዉ ኩነታት ንምድሓን ቆላሕታ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ይሓቱ ኣለዉ።

ካብ ካርቱም ሃዲሞም፣ ናብ ምዕራብ ሱዳን፣ ዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ዝኸዱ ብዙሓት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ገሊኦም ዛጚት ዝኾነ ደሃይ ከምዘይብሎም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ የጠንቅቕ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0