ጂቡቲን ኢትዮጵያን ካብ ኤርትራ ክመጸና ይኽእል’ዩ ዝበልኦ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሓባራዊ ወተሃደራዊ ንምቛም ተሰማሚዐን

ጂቡቲን ኢትዮጵያን ካብ ኤርትራ ክመጸና ይኽእል’ዩ ዝበልኦ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሓባራዊ ወተሃደራዊ ንምቛም ተሰማሚዐን

Radio Erena: 08 February 2015

ethioDj

ጂቡቲን ኢትዮጵያን ካብ ኤርትራ ክመጸና ይኽእል’ዩ ዝበልኦ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሓባራዊ ወተሃደራዊ ምክልኻል ክገብራ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ጂቡቲን ርክብ ድሕሪ ምክያዶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ‘ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃዋኺ ተራ ካብ ምጽዋት ገና ስለዘይተቖጠበት፣ ተነቢሩላ ዘሎ ማዕቀብ ክቕጽል ኣለዎ’ ክብሉ ከሲሶም።

 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኑ፣ ካብ ኤርትራ ክመጽእ ንዝኽእል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዶብ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ንምክልኻል ሃገሩ ድልውቲ ከምዘላ ሓቢሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም ብዛዕባ ጉዳይ ሶማልያን ሱዳንን እውን ከምዝዘተዩ፣ ካብ ጂቡቲ ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መበል 24 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ኣብ ዘቕረበቶ መዘክር፣ ብመሰረት’ቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ውሳኔ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽን ሰራዊት ኢትዮጵያ ከኣ ካብቲ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ክፋላት ክስሕብ ሕብረት ኣፍሪቃ ጸቕጢ ክገብር ጸዊዓ’ያ።

ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ዝተዋህቦ’ኳ እንተኾነ፣ ኢትዮጵያ ‘ተወሳኺ ዘተ’ ብምሕታት ነቲ ውሳኔ ብዘይምትግባራ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ኣይሰላም ኣይኲናት መድረኽ ኣትየን ይርከባ።

መራሕቲ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ኣብ መወዳእታ፣ ብዛዕባ’ዚ ዶባቶም ንምሕላው ዘቑምዎ ናይ ምክልኻል ሰራዊት ብዝርዝር ንምዝታይ፣ ሚኒስተራት ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ክራኸቡ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0