ጂቡቲን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ጸጥታ ዶባት ዘተኮረ ዋዕላ ኣካይደን

Radio Erena: 09 September 2021

ጂቡቲን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ጸጥታን ብዶባተን ዝካየድ ንግዲ ዝህልዎ ውሕስነትን ዘተኮረ ዋዕላ ኣካይደን።

ኣብቲ ካብ 5 መስከረም ኣትሒዙ ንክልተ መዓልታት፣ ኣብ ጂቡቲ ከተማ ዓርታ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ወከልቲ መንግስትን ክልቲኤን ሃገራት ተሳቲፎም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጂቡቲ፣ ሰይድ ኑሕ ሓሰን፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ እቲ ዋዕላ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምግታእ ኣብ ዶባተን ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።

ሚኒስተር ዴ ‘ታ ኣብ ሚኒስትሪ ሰላም ኢትዮጵያ ፍረኣለም ሽባባው ብወገና፣ ክልቲኦም ጎረባብቲ ህዝብታት ናይ ሓባር መጻኢ’ዩ ዘለዎም ድሕሪ ምባል፣ ናይ ክልትኤን ሃገራት መሪሕነት ካብ ተራ ንግዳዊ ርክባት ሓሊፉ ዝዓበየ ሓባራዊ ናይ ምትሕግጋዝ ራኢ ከምዘለዎም ጠቒሳ።

እቲ መበል 27 ሓባራዊ ምምሕዳርን ኮሚሽንን ዶባት ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዝተሰየመ ኣኼባ፣ ካብ ትግራይ ናብ ክልል ዓፈር ልሒሙ ዘሎ ኵናት፣ ነቲ ቀንዲ ኣፍደገ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዶባት ጂቡቲ ክዓጽዎ ይኽእል’ዩ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን’ዩ ተኻይዱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0