ጀኔቫ፡ ብስም ምምካት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተጻዒኑ ዘሎ ናይ መነባብሮ ጸገማት ከብቅዕ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 21 July 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ዝወጸ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዝድርት ኣዋጅ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገማት ፈጢሩ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረብክ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ጄኔቫ ተኻይዱ።

እቲ ብ17 ሓምለ፣ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝተኻይደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ብፍላይ ተጻዒኑ ዘሎ ዝተናውሐ ካብ ቤቱ ከይወጽእ ዝኽልክል ኣዋጅ ክልዓል ዝጠልብ’ዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ብማሕበር ተጣበቒ ሰብኣዊ መሰላት ቀይሕ ባሕር፣ ባይቶ ይኣክል ስዊዘርላንድን ምንቅስቓስ ጄኔቫን ዝተዳለወ፣ ንኹነታት ለበደ ኮረና ቫይረስ ኣብ ኤርትራን፣ ንዕኡ ስዒቡ ዝወጸ እዋጃትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጠሮ ናይ መነባብሮ ቅልውላውን ዝገልጽ ደብዳቤታት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉታሬዝን ላዕለወይቲ ጸሓፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚቸለ ባቸሌትን ተረኪቡ።

ኣብ ኤርትራ፣ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከይለባዕ ብዝብል ምኽንያት፣ ካብ 12 ለካቲት ኣትሒዙ፣ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዝድርት ኣዋጅ፣ ንጥሜትን ካልእ ማሕበራዊ ሕሰማትን ኣቃሊዕዎ ከምዘሎ ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ብምግፋፍ ዓሳ ዝናበር ህዝቢ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ እቲ ቀንዲ ግዳይ ኮይኑ ምህላዉ ተወላዶ እቲ ዞባ የመልክቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Dawed 4 years ago

    you guys do not care about your people safety anyway . why are you shouting in the street?you do not have anything to do ? you do not look eritreans anyway.