ኤርትራን ሱዳንን፣ ኣብ ወትሃደራውያን ጸጥታውን መደያት ንምትሕግጋዝ ዘኽእለን ዘተ የካይዳ

Radio Erena: 21 July 2020

ኤርትራን ሱዳንን፣ ኣብ ወትሃደራውያን ጸጥታውን መዳያት ንምትሕግጋዝ ዘኽእለን ዘተ የካይዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል ፊሊጵፕስ ወልደዮሃንስ ዝምራሕ፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኤርትራ፣ ካብ 19 ሓምለ ኣትሒዙ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ’ዩ።

ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪን ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኤርትራ፣ ንጀነራል ፊሊጶስ ብምስናይ ኣብ ሱዳን ይርከቡ።

ንላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኤርትራ ወግዓዊ ኣቐባብላ ዝገበረ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፣ ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣል ሓሰን ኮይኑ፣ ኣብቲ ናይ ምቕባል ስነ ስርዓት፣ ኣዛዚ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳንን ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን’ውን ተረኺቡ።

ጀነራል ፊሊጶስ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ብዘይካቲ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ግዜያዊ መንግስቲ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ምርካቡ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊን ናይ ልምዓትን ማእከላት ክበጽሕ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕን ምክትሉ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎን ዝማርሕ ወትሃደራዊ ልፍንቲ ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝድግፍ’ዩ ዝግለጽ።

ሱዳን፣ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ግዜ፣ ዝልዓለ ስልጣን ሃገር ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ነቲ ብዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ሲቪላዊ ወገን ከሰጋግር ትጽቢት ይግበረሉ።

ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት እዋን ድማ ኣብታ ሃገር ሓፈሻዊ ዴሞክስያዊ ምርጫ ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጺን ኤርትራን እናተደገፈ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ከምዝሕልን ተንተንቲ የረድኡ።

ስእሊ፣- ኣገልግሎት ዜና ሱዳን (SUNA)

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0